Sunday , April 28 2024

መንግስቲ ዘቕረቦ እማመ ደሞዝ ካብ ጽላት ቢዝነስ ሆቴል ተቓውሞ የጋጥሞ

Credit: Babak Parham / Sveriges Radio

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስርዓት ፍቓድ ስራሕ ዝተገብረ መርመራ መሰረት ብምግባር፡ መንግስቲ ነቲ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ናብ 100% ካብ ማእከላይ ወርሓዊ ደሞዝ ሽወደን ክውስኽ ምግባሩ፥ እዚ ድማ ን ወርሒ 34,200 ክሮና ክኸውን ዘቕረቦ ሓሳብ ካብ ጽላት ቢዝነስ ሆቴል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሆቴል ኤት ሲክስ፡ ንፍቓድ ስራሕ ዘድሊ ዝተሓተ መጠን ደሞዝ ተወሳኺ ወሰኽ ክግበር ዝቐረበ ሓሳብ እንተደኣ ተግባራዊ ኮይኑ፡ ንሰራሕተኛታት ጽሬት ገዛ ጥራይ ኣብ ወርሒ ኣስታት 360 ሽሕ ክሮነር ተወሳኺ ደሞዝ ክኸፍል ከም ዝገብሮ ይገልጽ። “እዚ ተግባራዊ እንድሕር ኮይኑ፥ ምኲራትን ንፉዓት መሳርሕትን ክንስእን ኢና” ትብል ኔሊ ኤልመር፡ ሓላፊት ዓቕሚ ሰብ ናይቲ ሆቴል። ብተመሳሳሊ ዜና ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ሚኒስተር ስራሕን ውህደትን ዮሃን ፐርሰን ሽወደናውያን ንስደተኛታት ክፉትነትን ምክብባርን ከርእዩ እዮም ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሰባት ምስ ኣረኣእያ እቲ ሚኒስተር ይሰማምዑ እንተኾይኖም ንምፍላጥ ሬድዮ ሽወደን ስዳህሳስ ኣካዪዳ ኔራ። “ስደተኛታት ብዝበዝሑ መጠን፡ (ሽወደናውያን) ዝተፈላለየ ባህሊ ዘምጽኦ ሃብታም ተመኲሮ ናብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ዘለዎም ይመስለኒ” ትብል ኣብ ፔሩ ዝተወልደትን ጓል 10 ዓመት ከላ ናብ ሽወደን ዝመጸትን ቤትዚ ቻቨስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com