Monday , April 29 2024

መንግስቲ ዱባይ፡ ዕርቃነን ቐሊዐን ዝተሳእላ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ

ኣብ ከባቢ፡ ማሪና ዱባይ፡ ዕርቃነን ቀሊዐን ክሰኣላ እተረኽባ ደቀንስትዮ፡ ብምጥሓስ ስርዓት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታወን ተገሊጹ።

እዚ ብቐዳም ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተለጠፈ ስእሊታት፡ ዕርቃነን ዝወጻ ደቀንስትዮ፡ ስእሊ እናተላዕላ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ካብዘን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ እተን 11 ዩክሬናውያን ዜጋታት ምዃነን ቆንስል ዩክሬይን ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ሓንቲ ሩስያዊት እውን ካብዘን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዋ ደቂኣንስትዮ ምዃና ማዕከናት ዜና ሩስያ ገሊጸን ኣለዋ።

ኣብ ዱባይ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ኣነዋሪ ተግባራት ምፍጻም፡ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርትን ናይ 1350 ዶላር መቕጻዕቲን ከም ዘኽፍል ይንገር። መብዛሕትኡ ሕጊ ዱባይ፡ ካብ ሕጊ ሸሪዓ ዝተቐድሐ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስዕዓም ኮነ ግብረሰዶማዊ ባህርያት ምንጽብራቕ ከም ዘእስር ይፍለጥ።

ኣብዛ መዘራረቢት ኮይና ዘላ ስእሊ፡ ደርዘን ዝኾና ደቀንስትዮ ከም ዝነበራ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ቆንስል ዩክሬን ነዘን ደቀንስትዮ ምብጻሕ ክገብረለን ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ነዚ ስእልታት ዝኣሊ ዝነበረ ሩስያዊ ሰኣላይ እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉን ክሳብ 18 ኣዋርሕ ክእሰር ከም ዝኽእልን ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com