Friday , April 26 2024

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2.8% ከምዝነበረን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ 3.1% ከምዝበጽሐ ማዕከን CPIF ክሕብር እንከሎ፡ መጠን ወርሓዊ ለውጢ ገንዘባዊ ዝቕባበ ድማ 0.2% ምዃኑ ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተራእየ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከምዝነበረን፡ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ክሳብ 2.9% ክበጽሕ ዝብል ትጽቢት ከምዝነበረ ሮይተርስ ገሊጹ።

መጠን ሓይሊ ክሮና፡ ምስ ዶላርን ዩሮን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሒደት ሰናቲም ከምዝወሰኸ፡ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ማለት፡ ዓመታዊ ለውጢ ዋጋታት ሃለኽቲ ዝዕቅን ኣገባብ ኮይኑ፡ ምስታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረት ወርሒ ብምንጽጻር ዘወዳድር እዩ። ወርሓዊ ለውጢ ገንዘባዊ ዝቕባበ ማለት ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ዝረአ መጠን ለውጢ ዋጋታት ሃለኽቲ እዩ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com