Saturday , April 27 2024
Foto:TT

ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንምንቅስቓስ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ብዕቱብ ይከታተል ምህላዉ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቻይና ካብ ኣፍልጦ ሚኒስትሪኣ ወጻኢ ንጓል ሓደ ተቓዋሚን ካልእ ቻይናዊ ነጋዳይን ብምርኻብ ኣብ ሆቴል ስቶክሆልም ክዛተዩ ምግባራ ንባይቶ ሽወደን ገሊጻ።

ሚኒስትሪኣ ካብዚ ጒዳይ ብምጒናያ ከኣ ብትሪ ነቒፋታ’ላ።

ወኪል ጸጥታ ሽወደን ኣምባሳደር ኣና ስልጣና ንዘይሕጋዊ ጽልዋ ተጠቒማትሉ እንተኾይና ንምፍላጥ ኣብ መርመራ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ብወገኑ ኲሎም ሓቂታት ናብ ዘተ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

“እዚ ኣዝዩ ህጹጽ ጒዳይ ስለዝኾነ በቲ ንሱ ዝጠልቦ ፍጥነት ስጒምቲ ክወስድ” ናይቲ ሰልፊ ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ።

ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ነታ ኣምባሳደር ናብ ሃገራ ሽወደን ከም እትምለስ ብምግባር እቲ ዘድሊ መርመራ ጀሚሩ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com