Monday , April 29 2024
Foto: Stian Lysberg Solum / NTB

ሚኒስተር ምክልኻል ኖርዌይ፥ “ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣገዳሲ እዩ”

ኣብዚ ሰሙን ኤኖክሰን ንጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጳ ኣመልኪቱ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣውሮጳውያን መሻርኽቲ ተዛትይ’ሎ።

“ሓባራዊ ስላምን ጸጥታን ከባኢና ንምሕላው ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ህላወ ጥሙር ሓይሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምርኻብ፡ ከምኡውን ምስቶም ኣብ ጥሙር ሓይሊ ዝሳተፉ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዘለዉ መሻርኽቲና ብዛዕባ ኲነታትና ምዝታይን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ፡ ጸጥታዊ ኲነታት ኣውሮጵ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኦድ ራጀር ኤኖክስን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ጥሙር ሓይሊ ዝሳተፋ ሃገራት ኖርዌይ፡ ብሪታንያ፡ ደንማርክ፡ ኤስቶንያ፡ ፊንላንድ፡ ኣይስላንድ፡ ላትቪያ፡ ሊቱዌንያ፡ ኔዘርላንድስ ከምኡውን ሽወደን እየን። እዚ ጥሙር ሓይሊ ኣድላዪ እንተኾይኑ ምስ ኔቶ ብምጥማር ብቕልጡፍ ክዋፈር ከም ዝኽእል እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

“ዓሰርቲኦም ሚኒስተራት ምክልኻል ሩስያ ንተገንጸልቲ ዞባታት ምብራቕ ዩክሬይን ኣፍልጦ ምሃባ፡ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ኣትገብሮ ዘላ ከቢድ ምኽታት ሰራዊት፡ ከምኡውን ኣብ ዞባ ዶንባስ ዘሎ ምትእትታው ኮኒኖም እዮም” ክብል ኤኖክሰን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ኣኼባ እዞም ሚኒስተራት ምክልኻል ብጥሙር ሓይሊ ኣቢሎም ኣብ ምድሪ፡ ኣየርን፡ ማያዊ ኣካልን ብርክት ዝበለ ንጥፈታት ክፍጽሙ ከም ዘለዎም ተሰምሚዖም ኣለዉ።  እንተኾነ ግና ኖርዌይ ኣባየኖት ልምምዳትን ንጥፈታትን ክትሳተፍ ከም እትኽእል ገና ኣብ ውሳነ ኣይተበጽሐን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com