Tuesday , March 19 2024
Foto: Marko Säävälä / TT kod 10510

ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ንፊፋ ዘሊፉ።

ኣህጒራዊ ማሕበር ኲዕሶ እግሪ-ፊፋ-ንሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ካብ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜያት ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ክእገድ ብዘይምውሳኑ ሚኒስተር ስፖርት ሽወደን ኣንደርስ ይገማን ወቐሳ ኣቕሪቡሉ። ብምኽንያት ወራር ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኲዕሶ እግሪ እንተላይ ሽወደን ሩስያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ የብላን ዝብል መርግጺአን ምግውሐን ዝፍለጥ እዩ።

ውሳነ ፊፋ ዘርእዮ ነገር እንተሎ መሪሕነቱ ሞራል ዝጐድሎ ምዃኑ እዩ–ኢሉ’ሎ ሚኒስተር ይገማን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com