Wednesday , May 8 2024
Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ሚኒስተር ፋይናንስ፡ መንግስቲ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተኸስቱ ወጻኢታት ምምሕዳራት ከተማ ክሽፍን እዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን መንግስቲ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝመጸ ፋይናንሳዊ ሃጓፍ ምምሕዳራት ከተማ ክመልእ ምዃኑ ሎሚ ኣረጋጊጻ። ካብቶም ክምልኡ ተባሂሎም ዘለዉ ጽላታት ክንክን ጥዕና ብቐንዱ እዩ። እዚ ይዂንምበር ንዝመጽእ ዓመት ዝኾነ ተወሳኺ ሓገዛት ከም ዘይግበር ኣስሚራትሉ’ላ። ” ንዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ኢና ንከታተሎ ዘሎና። ገና ኣይበጻሕናዮን ስለዘሎና ብዛዕባ 2021 ካብ ምዝራብ ክንቊጠብ ኢና” ክትብል ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ’ላ።

ብማእከላይን ሊበራላይን ሰልፊታት ዝተደገፈ መንግስቲ ኣብ ዓመተ 2021 ከምኡ’ውን 2022 ን ምምሕዳራት ከተማን ኣውራጃታትን 12.5 ቢልዮን ክሮነር ባጀት ክምድብ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሎሚ ምምሕዳራት ከተማን ትካላት ምሕደራብ ኣብ ዝገበርዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ን ዓመተ 2021 መንግስቲ ተወሳኺ 8 ቢልዮን ክሮና ምሕታቱ ተመልኪቱ። እዚ እናኾነ ሚኒስተር ፋይናንስ መንግስቲ ምስ ኮሮና ተተሓሒዙ ዝመጸ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ምሽፋን ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት” እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ሰባት ዝደልይዎ ሓገዝ ክረኽቡ ዘይሕሰብ እዩ” ክትብል ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com