Sunday , April 28 2024
Magdalena Andersson presents a new jobs policy, which the Social Democrats' Congress will decide on.

ሚኒስተር ፋይናንስ፡ እቶም ዝለዓሉ ተረባሕቲ ድጎማ መንግስቲ፡ ቤት ምግብታት እዮም ትብል

ሆቴላት፡ ቤት ምግብታት፡ ባህላውን መዘናግዕን ጨንፈራት ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ተረባሕቲ ናይቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብመንግስቲ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሓገዝ (ድጎማ) እዮም ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ ሓቢራ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ወነንቲ ናእሽቱን ብሕታውያን ኩባንያታትን ብውልቆም ንዝሰርሑ ሰባትን፡ ገዚፍ መጠን ድጎማ ከምዘካየደ፡ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

መንግስቲ፡ ነቶም ብሕታውያን ኩባንያታት ዝገብሮ ድጎማ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ነዘን ኩባንያታት ዝወሃብ ድጎማ፡ ነተን ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ጨናፍር እንተዝወሃብ ዝብል ርእይቶ ከም ዘቕረቡ ይፍለጥ።

ድኹማት ዝኾና ጽላታት፡ ነቲ ድጎማ፡ ካብ ካልኦት ጽላታት፡ ብዝለዓለ ኣገባብ ከምዝጥቀማሉ፡ ኣንደርሾን፡ ብምውሳኽ ገሊጻ።

ብመንግስቲ ዝወሃብ ድጎማ፡ ምስ ብዝሒ መጠን ክሳራ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ እቶም ልዑል መጠን ክሳራ ዘርኣዩ ኩባንያታት፡ ብኡ መንጽር፡ ልዑል መጠን ድጎማ ዝረኽቡ እዮም ዝበለት ኣንደርሾን፡ እዚ ናይ ድጎማ ገንዘብ፡ ካብ ከፈልቲ ግብሪ ዝተኣከበ ገንዘብ ድኣ እምበር፡ ካብ ፋብሪካ ተሓቲሙ ዝወጸ ገንዘብ ከምዘይኮነ ክንግንዘቦ ይግባኣና ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com