Monday , April 29 2024

ማሕበር መሃንድሳት– “ብርሕቀት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ይብርክቱ ኣለዉ”

Credit: Isabell Höjman/TT

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መሃንድሳት ካብቲ ቅድሚ ለበዳ covid-19 ዝነበርዎ ንላዕሊ ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ ርሒቖም ይነብሩ ከምዘለዉ ሓድሽ ጸብጻብ ማሕበር መሃንድሳት ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ካብ ቦታ ስርሖም ምርሓቖም ውጽኢት ናይቲ ዝበዝሑ ሰባት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኲነታት ምህላዉ፡ ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ይቚጸሩ ብምህላዎም እዩ። “ዋጋ መነባብሮ ዝሓሰረ እዩ። ሰፊሕን ዋጋኡ ኸኣ ተመጣጣኒን ቤት ክህልወኒ ይኽእል እዩ። ዓደይ ከኣ ኣብዚ እዩ” ይብል ክብል ካብ ቦታ ሰርሑ ብናይ 200 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዝነብር ዮሃን ቶርነሃይም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com