Friday , April 26 2024
FACUNDO ARRIZABALAGA/TT

ማንቸስተር ዩናይትድ ንኦሊገናር ሶልሻየር ብቀዋምነት ኣፈሪማቶ!

ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኦሊገናር ሶልሻየር ብቀዋምነት ን ሰለስተ ዓመት ንከሰልጥና ኣፈሪማቶ። እዚ ወድ 45 ዓመት ነርወጃዊ ድሕሪ ኣሰልጣኒ መሪኖ ምብራሩ ስዒቡ ከም ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ብሙኻን ነዛ ጋንታ ክመርሓ ጸኒሑ። ሶልሻየር ኣብ ፕሪመርሊግ 6 ተኸታታሊ  ዓወት ብምምዝጋብ ናይ መጀመርይ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ክኸውን ዝኻኣለ እዩ። ሶልሻየር ኣብ ናይ ጸወታ ዘመኑ ምስ ክለብ ዩናይትድ ን 11 ዓመት ዝተጻወቲ ኮይኑ ተዓዋቲ ስሉስ ዓወት  ናይ 1999 እዩ ነይሩ። ሶልሻየር ድሕሪ ናብዛ ክለብ ምምጽኡ 19 ጸወታታት ዘካየድ ኮይኑ ኣብ 14 ግዜ ክዕወት ከሎ ኣብ ሰለስተ ድማ ክሰዓር ከሎ ንማንችስተር ድሕሪ 2014 ንመጀመርያ ግዜ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ቻምፕዮን ሊግ ኣስጊርዋ ይርከብ። ብተወሳኪ ንክለቡ ናይ 11 ነጥቢ ዝነበረ ፍልልይ ብምጽባብ ንይ ናይ 4ይ ደረጃ ቦታ ንምሓዝ ኣብ ከቢድ ጥምጥም ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com