Thursday , May 9 2024

ማእከላት ጥዕና ኣፕሳላን ኡሬቦን ሕጽረት መሳለጥያ ክንክን ጥዕና ከም ዘለወን ተገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ማእከላት ጥዕና ሽወደን ሕጽረት መሳለጥያ ክንክን ጥዕና ከም ዘለወን ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ማእከላት ክንክን ኣፕሳላን ኡሬቦን ዝመኸኑ በጃኢድ፥ ቱቦታት መተንፈሲን ዝመሰሉ መሳለጥያታት ይሓጽሮ ምህላዉ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። “ዝኣዘዝናዮ ኣቕሑ ዛጊት ኣይመጸናን ኣሎ። እዞም ኣቕሑ ገሊኦም ሃለኽቲ ምዃኖም ዝፍለጡ እዮም” ይብል ዋና በዓልመዚ ማእከል ጥዕና ኡሬቦ ክላስ ሞርተን ኢንበርግ።

ኣገልግሎት ምቕርሐ ኣፋውስ ን SVT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ጒዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቘጠበ ኣብ ዕደላ ሽግር ከም ዘለዎም ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ሓላፊ ቀረብ ኣቕሑ ክፍሊ ኣፒተክስጃንስት ፒተር ክላሰን ነዚ እትርኢ ናይ ሓባር ሽማግለ ከም እትቐውም ገሊጹ’ሎ። ካብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታኣ ሕጽረት ቀረብ ምግጣሙ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ዕደላ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክጅመር እዩ ኢሉ ከም ዝግምት ካርልሰን ተዛሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com