Monday , April 29 2024
Bodies in bodybags are placed on the side of the road after an accident in Tuxtla Gutierrez, Chiapas state, Mexico (AP Photo) MXEV102

ሜክሲኮ . . . ብሓደጋ መኪና፡ ብውሕዱ 53 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ሜክሲኮ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 53 ተሳፈርቲ ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተታት ድማ ጒድኣት ከም ዝበጽሖም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እታ መኪና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ካብ ሚእቲ ዝበዝሑ ካብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝተበገሱ ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቺያፓስ ምስ በጽሐት ከም እተገምጠለት ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ጥቓ እታ እተገምጠለት መኪና ኣካላት ግዳያት ፋሕ ኢሉ ዘርኢ ስእልታት ድሮ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብጻዕዳ ቴንዳ እተሸፈኑ ሬሳታት እውን ከም ዝረኣዩ ቢቢሲ ኣመልኪታ።

እዚ ኣብ ታሪኽ መክሲኮ ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት መካይን እቲ ዝኸፍአ እዩ። 58 በዚ ሓደጋ ዝተጐድኡ ኣለዉና ክብል ሓላፊ ወኪል ህዝባዊ ሓለዋ ቺያፓስ ሉዊ ማኑዌል ጋርቻ ሓቢሩ። እዞም ግዳያት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም፥ ዜግነቶም ዛጊት ክረጋገጽ ከም ዘይተኻእለን፡ እንተኾነ ግና ካብ ሆንዱራስን ጓቴማላን ዝመጹ ስደተኛታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ግምታት ምህላዉ፡ ጋርቻ፡ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

እታ መኪና፡ ብናህሪ ነቲ ጸዳፍ ከባቢ ቺያፓስ ክትሰግር እናበለት እቲ ሓደጋ ምግምጣል ከም ዝበጽሓ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com