Friday , April 26 2024

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ጀሚራ

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ካብ ትማሊ ሮቡዕ ጀሚሩ፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባትን ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለታትን፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ ከምዝጀምረ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ባንክ ኣይዲ ብምርኣይ ብመንገዲ ዲጂታል ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ቆጸራ፡ ብመንገዲ ተሌፎን ከምዝኸውን ገይሩ ኣሎ።

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝግበር ቆጸራ፡ ካብ ራብዓይ መድረኽ ንኽጅመር መደብ ተታሒዙ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምጅማሩ ግን፡ ጽቡቕ ዕድል ጌርና ኣለና ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ማግኖስ ቲበሪ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com