Monday , April 29 2024
A record number of people were found to be infected with COVID-19 in Västra Götaland during week three. (AP Photo/Andre Penner) XAP106

ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ፡ ኣመዝጊባ

መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብልዑል ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ቁጽሪ ናይ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 44,791 ከምዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ፡ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣስታት 140,000 ዝኾኑ ሓደሽቲ መልከፍቲታት ተመዝጊቦም ኣለው።

ኣብቲ ከባቢ፡ ቁጽሪ ናይ PCR ቅምሶታት 130,554 ዝነበረ ኾይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ ዝተወስዱ ቅምሶታት እቲ ዝለዓለ መጠን ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ብዝሒ ዝፈጠሮ ወጥሪ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት፡ መልሲ ንምርካብ ነዊሕ እዋን ክጽበዩ ከምዝተገደዱ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ምናልባት’ውን ካብዚ ሕጂ ዝተጠቅሰ ንላዕሊ ዝኸውን ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእል እዩ ዘመላኽት ክብል ቬስትራ ጎትላንድ ኣብ ዘውጾ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ እተን ምምሕዳራት፡ ብጉዳይ ቅምሶታት ብዝምልከት፡ ቀዳምነታት ንኽህባ ዕድል ከምዝሃበን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡  ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም መርመራታት ዘካየዱ ከምዘለዉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብሰሉስ፡ 418 ዝኾኑ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ኣብ ሆስፒታላት ቬስትራ ጎትላንድ ዝተሓከሙ ኮይኖም፡ እቶም 20፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዝሎ ተፈሊጡ።

ብቐዳም፡ ኣብ ምልእታ ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣብ 149 ክሊኒካት፡ ብቐጥታ ኬድካ ክትምርመረሎም ትኽእል ቦታታት (drop-ins) ዓቢ ናይ ክታበት መዓልቲ ተሳሊጡ’ሎ። ካብ ክልተ ሲሶ ናይቶም ከተብቲ ብዝተረኽበ ጸብጻብ መሰረት፡ ካብቶም 149 ክሊኒካት፡ ኣብ 100 ዝኾኑ ክልኒካት፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ተቐቢሎም ከምዘተኣናገዱ ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ ዝርከብ VGRFokus ዝበሃል ናይቲ ምምሕዳር ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ከም በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብ ሽወደን ኣብዚ እዋን’ዚ 1,922,990 ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፉ፡ ሰሉስ ዝወጸ ናይ ስታቲስቲክስ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ቁጽሪ፡ ምስቲ ዓርቢ ዝነበረ ቁጽሪ ከወዳደር እንከሎ ብኣስታት 139 ሽሕ ዝኸውን ከምዝበዝሕ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ። ዛጊት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ 15,693 ሰባት ከምዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com