Friday , April 26 2024
Nariman El-Mofty//TT

ምርጫ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ 2018

መርበብ ሓበሪታ ቢቢሲ ኾኸብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ 2018 ንምምራጽ ብሉጻት ሓሙሽተ ተጻወቲ ረቒሑ ። ኣብዚ ምርጫ ክልተ ተጻወቲ ሰኔጋል ማለት ወዲ 27 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ናፖሊ ካሊዶ ኮሉባሊን ወዲ 26 ዓመት ኣጥቅዓይ ክለብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሪቨልቡል ሳዲኦ ማነ ክምረጹ ከለዉ  ዝተረፉ ወዲ 31 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ጁቨንቱስ መዲህ ቤናቲ ካብ ሞሮኮ፣ጋናዊ ተኸላኻላይ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ቶማስ ፓርቲን ኣብዚ ዓመት ደሚቁ ዝወጸን ንክለቡ ሪቨልቡል ናብ ግጥም ፍጻሜ ቻምፕዮን ሊግ ኤውሮጳ ንሃገሩ ግብጺ ድማ ድሕሪ ቡዙሕ ዓመታት ተሳታፊት ውድድር ዋንጫ ዓለም ክትከውን ዝልዓለ ኣስተዋጽኦ ዝገብረ ወዲ 26 ዓመት መሓመድ ሳላሕ እዮም።

መስርሕ ምሃብ ድምጺ ንቡሉጽ ተጻዋታይ እዛ ዓመት ታሕሳስ 2 ዝውዳእ ኮይኑ ዕዉት ተጻዋታይ ድማ ታሕሳስ 14 ብውግዒ ክንገር እዩ።

ቢቢሲ ብሉጽ ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ክኸውን ከሎ ቅድም ሕጂ ድማ ከም ጄጄ ኦካቻ፣ ማይክል ኤሴን፣ ዲዲየር ድሮግባ፣ ያያ ቱሬን ሪያድ ማህሬዝ ን ንብሉጽ ቢቢሲ  ተጻዋታይ ኣፍሪቂ ካብ ዝተዓወትሉ እዮም፡፡

 

  ተኸላኻላይ ክለብ ናፖሊ ካሊዶ ኮሉባሊን ካብ ሰኔጋል  EMMANUEL DUNAND/TT
ኣጥቅዓይ ክለብ ሪቨልቡል ሳዲኦ ማነ ካብ ሰኔጋል  WALLACE WOON/TT

ተኸላኻላይ ክለብ ጁቨንቱስ መዲህ ቤናቲ ካብ ሞሮኮ

MIGUEL MEDINA/TT

ጋናዊ ተኸላኻላይ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ቶማስ ፓርቲን

NurPhoto/TT


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com