Saturday , April 27 2024
Credit: Jessica Gow/TT

ምስክር ወረቐት ሕክምና ንምርዳእ AI ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንሰራሕተኛታት “ጉዳይ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን” ጸገማት ‘ኒውሮሳይካትሪክ”  ዘለዎም መንእሰያት ዝምልከት ለበዋታት ንኽህቡ ኣገዳሲ ሓገዛት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። እቲ ናይ AI መሳርሒ ንሰራሕተኛታት ሓደ ጠበቓ እንታይ ክገብር ከምዘይክእል ንኸለልዩ ይሕግዞም ኣሎ። ከም ኣብነት ኣብ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ‘ደኺሙ’ ዝብል ቃል ብኸመይ ከም ዝርትጎም ሓገዝ ዝህብ ዘሎ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ እዩ።

“እዚ ኣብ መንጎ ኣርቲፊሻል ኢንተሌንስን ሰራሕተኛ ኤጀንሲናን ዝካየድ ናይ ሓባር ዕዮ እዩ” ትብል ኣብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ስትራተጂስት ልምዓት ሄዳ ስቲልበርግ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 172 ሽሕ ሕሙማት ኣብ ወርሒ ጥሪ መጥባሕቲ ንምግባር ኣብ ዝርዝር መጸበዪ ከምዝነበሩ ኣገልግሎት ኤና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ንገሊኦም ንነዊሕ እዋን ምጽባይ፡ ንኲነታቶም ዘጋድድ ክኸውን ከም ዝኽእል ካብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ዝተረኽበ ስታቲስቲክስ ይሕብር እዩ።

“ጉዳየይ ብኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ምትሓዙ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታት መጥባሕቲ ምግባር ከምዘይከኣል ነጊሩኒ” ትብል  ንኣርባዕተ ዓመት መጥባሕቲ ሕቖ ክትገብር ክትጽበ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓኪም መጥባሕቲ ከም ዘይከውን ዝተነግራ ብርጊታ

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com