Monday , April 29 2024
Foto: Ali Lorestani / TT / Kod 11950

ምስ ምልዓል እገዳታት ሕጽረት ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ምግቢመሰተን የጋጥም።

ኣብያተ መግብንመስተን  ቐይድታት ብምልዓሉ ዓቢ ዜና እንተኾነ፣ እቲ ምልዓል እገዳ ንበይኑ ናይ ባዕሉ ጸገም ሕጽረት  ጽቡቕ ክእለትን ተመክሮን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ምሎዓል ኩሎም ማሕበራዊ እገዳታትን መምርሕታትን ኮሮና ተኸቲሉ ኣብ ኣብያተ መሸጣ መግብን መስተን ሓያል ሕጽረት ብቑዓትን ሰብ ተመኩሮን ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠመ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ዛጊት ተራእዩ ዘሎ ሕጽረት ተመኩሮ ብዘይብሎም ተማሃሮን መንሰያትን ክትካእ እኳ እንተተፈተነ ሙሉ ፍታሕ ክርከበሉ ከምዘይተኻእለ ይዝረብ። ብሰንኪ ክልተ ዓመት ዝነበረ መምርሕታት ለበዳ ኣዝዩ ከምዝተሃሰየ ዝንገረሉ እዚ ዓዉዲ፣ ኣብ ዉሽጢ እዚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ኩነታት ለበዳ ብዙሓት ብቑዓት ሰራሕተኛታት ክጎድልዎ ከምዝተቐሰበ ይንገር።

ብመስረት እቲ ሓበሬታ ሰዓታት ምኽፋትን ምዕጻዉን፣ ብዝሒ ምቕባል ኣጋይሽን ዝኣመሰለ ቀይድታት ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዝጸንሐን እዩ። ብቝጠባዊ መዳይ ትካላት ተዳኺመን ሰራሕተኛታተን ኬሰናብታ ስለዝጸንሐ ብዝተፈጥረ ሕጽረት።  ሕጂ እቲ ቤት ምግብን ክሽነን እንደገና ኪላታት ክዀኑ ስለ ዘለዎም እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ሞያ ምህላዎም ንጹር ከምዘይኮነ ይግለጽ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com