Monday , April 29 2024

ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ” እናበዝሑ ምምጸኦም ተሓቢሩ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት ናይዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመት፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ”፡ ብብዝሒ ከምዝተቐበለ፡ ንኩነታት ስራሕ ዝከታተል ሽወደናዊ ኤጀንሲ ገሊጹ።

እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩንታት፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ተርእዮታት እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሓላፊት እቲ ኤጀንሲ፡ ኦልሪካ ሾላንደር፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 484 ጥርዓናት ዝሓዙ ጸብጻባት ምምጸኦም፡ እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ጥርዓናት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዝበዝሑ ጸብጻባት፡ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ወይ ድማ ኣባላት፡ ለበዳ ኮሮና ከምዝተራእየ ዝሕብሩ እዮም።

መብዛሕትኦም ጸብጻባት፡ ካብቶም ኣብ ጽላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ኣባላትን ዝመጽእ’ኳ እንተነበረ፡ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ግን፡ ካብ ከም ኣብ ቤት ትምህርታትን ናይ ንግዲ ትካላት ዝሰርሑ ኣባላት ምስ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ ጸብጻባት ናይ ስራሕ ሓደጋ ክመጹ ምጅማሮም ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com