Wednesday , May 1 2024
Polisen/TT Nyhetsbyrån

ምስ ምንዝርና ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣኣትዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ወሲኹ። 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቊጽሪ ናይቶም ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ምዝያዱ ሰነዳዊ ጸብጻብ ሬድዮ ሽውደን ኣቃሊዑ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፖሊስ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ገበነኛታት ኣብ ምክትታል እናተመሓየሸ ብምምጽኦም ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት ፖሊስ መላእ ሽወደን ተወሰኽቲ ስልጠናታት ክወሃቡ ምጽንሖም እውን ኣመልኪቶም ኣለዉ። 

ዝሓለፈ ዓመት 841 ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ ክም እተታሕዙን እዚ ድማ ምስታ 469 ገበነኛታት ዘመዝገበት ቅድሜኣ ዝነበረት ዓመት ብምውድዳር ብዕጽፊ ዝዛይድ ወሰኽ ምርኣዩ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com