Tuesday , April 30 2024
Credit: SANAULLAH SEIAM/AFP

ምቅጻል ቊርኣን ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑ ሰደድ ሽወደን እገዳ ክግበር ጻውዒት ተጌሩ።

ሓደ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ትካል ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑ ሰደድ ሽወደን እገዳ ክግበር ጸዊዑ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ ዝተገብረ ምቅጻል ቊርኣን፡ ስዒቡ ዝመጸ ግብረመልሲ እዩ። ብዘይካዚ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ነቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ሰልፊ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣቕሑ ሆላንድ እገዳ ክግበረሎም ጻውዒት ጌሩ’ሎ። እቲ ትካል “መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻል ን ኣመንቲ ምስልምና ዘቖጥዕ ተግባር እዩ” ምባሉ ኣጃንስ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ።

“እዚ ኣድማ፡ ኣብ ሰደድ ሽወደን ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ምትንባይ ኣሸጋሪ እዩ” ክትብል ኣብ ጨንፈር ንግድ ሽወደን ሓላፊት ኣህጒራዊ ንግድ ተሬሳ ራይበርግ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com