Saturday , April 27 2024
Maja Suslin/TT

ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ዑቕባ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ እዩ ክብል ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ገሊጹ።

ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ኢመግረሽን Mikael Ribbenvik ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ ኣመልከትቲ ዘይንዓቕ ሽግራት ከስዕብ ይኽእል እዩ ክብል ገሊጹ።

እዚ ሽግራት ኣመልከትቲ ብዛዕባ ሕግታት ሓፈሻዊ ስእሊ ከም ዘይህልዎም ብምግባር ብፍላይ ድማ ቦርድ ስደተኛታት ናብ ሕሉፋት ጒዳያት እንክዝምብል ናብ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ በደላታት (ምልውዋጣት) ከእቱ ዝኽእል ብምዃኑ እዩ።

መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ቦርድ ማይግሬሽን ዝሃቦ ግብረመልሲ ነዚ የረጋግጾ እዩ።

እዚ እማመ ናብ ሚኒስተሪ ፍትሒ ሰኑይ መዓልቲ ሓሊፉ’ሎ።

-እዚ ሕጊ ቅድሚ ሕጂ ዘይረኣናዮም ሳዕቤናት ከምጽእ ከም ዝኽእል ብሩህ ክንገብሮ ንደሊ ይብል ዳይረክተር ጀነራል ቦርድ ስደተኛታት Mikael Ribbenvik።

ሓደ ኣብነት እቲ ኣብ እማመ ኣትዩ ዘሎ ምስ ቤተሰቦም ክጥርነፉ ዝዓግት ዝነበረ ሕጊ ምዝላቑ እዩ። ብመሰረት እዚ እማመ ሓደ ሰብ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ሕቶኡ ብብዙሕ መርመራ ክሓልፍ እዩ ማለት እዩ።

ብመሰረት እዚ እማመ ህሉው ፍቓድ ምስ ዝብቅዕ እቲ ኣመልካቲ “መሰረት ዘለዎ ጒዳይ” ሓለዋ (prototection) ኣለዎ ድዩ ብዝብል ሕቶ እዩ ክግምገም። ስለዚ ኣብ ተመሳሳሊ ጒዳይ ሰለስተ እተፈላለያ መርመራታት ይህልዋ ማለት እዩ።

ብዙሓት ካብ ኲናት ሶርያ ዝሃደሙን ኣብ ዓመታት 2014/15 ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝረኸቡን ሰባት ናይ ሓለዋ(prototection) እርከን እዮም ተዋሂቦም ጸኒሖም። ኣብዚ ዓመት ቦርድ ስደተኛታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ናይ ምንዋሕ ሕቶታት ክርኢ እዩ፡

እዚ ማለት ኣመልከትቲ ብሰንኪ ግድነታዊ ምልውዋጣት ንውሕ ዝበለ መስርሕ መርመራ ክጻወሩ ኣለዎም ማለት እዩ። ኣየኖት ጒዳያት እዮም ዝያዳ ክብደት ዝወሃቦም ኣብ ዝብል መብርሂ እንተዝወሃብ ጽቡቕ ኔሩ ይብል Mikael Ribbenvik።

ሰብኣዊ ምኽንያታት ካልእ ሽግር ብጽኑዕ ዝሓመሙ ቆለዑ ወይ ካልኦት ኮይኑ ኣብ ሰብኣዊ ምኽንያታት ዝጠቓለል እዩ።

ብመሰረቱ እንክምርመር ኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ምንጻግ ምስ ሓፈሻዊ መትከላትን ውዕላትን ሽወደን ዝጋጮ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዮም መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም።

እዚ ካብ 20 ጥሪ 2016 ጀሚሩ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ንሒደት ጥራይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝህብ ሕጊ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ምእጋድ ክሳብ ናይ ምስግዳድ ደረጃ ኣይበጽሐን ኣሎ።

እዚ ድማ ሓደ ህጻን ብዙሕ ምልክታት ሕማም እውን እንተለዎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክኽላእ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ተመሳሳሊ ናይ ሕማም ምልክታት ዘለዎም ካልኦት ቆልዑ ኣብ ካልእ መድረኽ (ደረጃ) ከም ሓድሽ ኲነታት ተቘጺሩ ናይ መንበሪ ፍቓድ ከውህቦም ይኽእል እዩ።

ከምዚ እንተኾይኑ ቅድሚ ሕጂ ፍቓድ መንበሪ ተዋሂብዎም ዝጸንሐን ጽንዕ ዝበለ ሕማም ዘለዎምን ቆልዑ ክንሰጒግ ኢና ማለት እዩ።

ውዕል መሰል ቆልዑ ካብ ዓመት ኣብ ዝንእስ ግዜ ኣብ ሽወደን ሕጊ ክኸውን እዩ ይበሃል ኣሎ። እንተኾነ ግና እዚ ሕጊ ነዚ ኣብ ግምት ዘእቱ ምዃኑ ዘስተውዓልና ኣይንመስልን።

እዚ ምንዋሕ ግዜያዊ ሕጊ ሽዑ ተግባራዊ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ ይብል Mikael Ribbenvik።

ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ሓደ ኣጠቓላሊ መንጽር ኣታሕዛ ጓኖት ከም ዝድልዮ ይግንዘብ እዩ። እዚ ድማ ምስ ምውሳኽ ሕጊታትን ተመዓደውቲ ሕጋታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ እናኾነ መጺኡ ኣሎ።

ነዊሕን ዘላቕን ናይ ሕጊ መቓን ዘቐመጥ ባይቶኣዊ ሽማግለ ክቐውም ግዜኡ ይመስለኒ ይብል Mikael Ribbenvik።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com