Friday , April 26 2024
Jerzy Sarnecki, professor of criminology. Foto: Malin Hoelstad / SvD / TT / Kod: 30212 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

ምውሳኽ ገበን ምስ ስደተኛታት ዘራኽብ የብሉን ተባሂሉ

ቆንስል ምክልኻል ገበን ሽወደን (Brå) ንስደተኛታት ምስ ምብዛሕ ገበን ብጠርጠራ ኣተሓሒዝዎም እኳ እንተጸንሐ እቲ ሓቂ ግና ስደተኛትት ምስዚ ተርእዮ ክንድቲ ዝተጋነኖ መጠን ግደ ከም ዘይብሎም ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ገበን እቲ ዝጸንሐ ኣንደርክላስ ክጐድል እንከሎ እዚ ሓድሽ ሳብክላስ ግና ይውስኽ ኣሎ” ክብል ፕሮፌሰር ጀርዚ ሰርነኪ ገሊጹ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዕስራ ዝለዓለ መጠን ገበን እተራእየለን ምምሕዳራት ከተማ ከምኡውን ገበን ብብዝሒ ዝወሰኸለን ካልኦት ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ እዚ ጒዳይ ምስ ስደተኛታት ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘይብሉ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ስደት ኣብ ኲሉ ተመጣጣኒ እናሃለወ ኣብ ገሊኡ ገበን ክውስኽ እንከሎ ኣብ ገሊኡ ግና ምጒዳሉ ክልቲኣቶም ዘለዎም ርክብ ከምቲ ዝተገመቶ ዘምዃኑ ዘርኢ እዩ ክብል ሳርነኪ ኣብሪሁ። ብኻልእ ሸነኽ ስእነት ስራሕ፥ ዘይምምጥጣን ኣታዊን ካልኦትን ረቛሒታት ኣብዚ ተርእዮ ግደ ከም ዘለዎም እቲ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com