Friday , April 26 2024

ሞሮካውያን ድምጻዊያን ናብ ኣፍሪቃዊ ህርመት ይዛዝዉ

ኣብ ሞሮኮ፡ ኣፍሪቃዊ ህርመት ምርጫ ብዙሓት ድምጻውያን ይኸውን ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ሓንቲ ካብዞም ብኣፍሪቃዊ ህርመት ዝተማረኹ ድምጻውያን፡ ጀይላን፡ እያ። ጀይላን ብኣፍሪቃዊ ህርመት ኣዝያ ብምምራኻ ካብ ዓረባዊ ዓለም ወጻኢ ኣብ ዘሎ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ስማ ክሳብ ምቕያር ከም ዝበጽሐት ተገሊጹ።

ማማ ብእትብል ንጽል ደርፋ፡ ሚልዮናት ፈተውቲ ኣብ ዩትዩብ ምርካባ ትገልጽ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ናይ ናይጀርያዊ ኢዳሃምስ ደርፊ፡ ማን ኦን ፋየር፡ ሪሚክስ ጌራ ምስራሓን ጽቡቕ ውጽኢት ድማ ከም ዝረኸበትን ትገልጽ።

ካብ ሰሃራ ንደቡብ ኣብ ዘሎ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ዝሰፍሐ ተቐባልነት ክረክብ ኣበርቲዐ ክሰርሕ እየ ድማ ኢላ።

ስማ ዝቀየረትሉ ምኽንያት እንክትዛረብ፡ ኻውላ ሙጃሆድ፡ ዝብል ስመይ ሰባት ብግቡእ ከድምጽዎ ክሽገሩ ይኾኑ እዮም ብዝብል፡ ገለ ናይ መድረኽ ምጸውዒታት ድሕሪ ምሕራይ፡ መውዳእትኡ ጀይላን ዝብል ስማ ምሕራያ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com