Monday , April 29 2024
Fredrik Persson/TT

ሩስያ ብዝፈጠረቶ ቅልዉላዉ ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ዝያዳ ይሕይል

እቲ ኣብ ዩክረይን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ታህዲድን ሩስያ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋታት ነዳዲ ብሓፈሻ ዋጋ በንዚንን ናፍታን ከኣ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ከቢድ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ክብል ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ዋጋ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ሓደ ባሬል ልዕሊ 98 ዶላር ኮይኑ ጽንሕ ኢሉ ናብ  99 ዶላር ኣመሪካ ክብ ኢሉ ከምዘሎን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ዉሽጢ ሾዉዓተ ዓመት እቲ ዝኸበረ ዋጋ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ከምዚፍለጥ ሩስያ ናብ ኤውሮጳ ብዙሕ ጋዝን ነዳድን ተቕርብ ሃገር ስለዝኾነት፣ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ኢዩ ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን፣ ብሰንኪ ክብሪ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ኩሎም መሰረታዉያን ነገራት ዋጋታት ይዉስኽ ብምህላዉ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ከቢድ ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ ይንገር።

ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዙ ስጋብ ሎሚ ስቱድዮ ዝኣተናሉ ግዜ ዋጋ በንዚን ብ10 ሳንቲም ኣብ ሊትሮ፣ ብምዃን ናብ 19.29 ናፍታ ኸኣ ብ15 ሳንቲም ወሰኽ ናብ  21.62 ንሊትሮ ክብ ኢሊ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት ቁጥየባዊ ተንተንቲ ሽወደን ሃገረ ሩስያ ሰደድ ነዳዲ ደዉ እንተኣቢላቶ ካልኦት ኣማራጺ ሃገራት እኳ እንተሃለዋ ቀይርካ ንምዉኃድ ቀሊል ስለዘይከዉን ተወሳኺ ክፍሊት ግዴታ ኮይኑ ከምዘሎ ይዛረቡ። እኩልን ዓበይትን መዕቖሪ ነዳድታት ብዘይምጽንሑ ናብዚ ሕጂ ተወዲቑ ዘሎ ጸገም ናህሪ ዋጋታት  ከምዘሳጣሓና ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com