Friday , April 26 2024
(Sputnik, Kremlin Pool Photo via AP) XAZ918

ሩስያ ን ሉሃንስክን ዶነትስክን ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ሂባ።

ሩስያ ነተን ካብ ምብራቕ ዩክሬይን ዝተፈንጨላ ዞባታት ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ከም ዝህበን ብቐጥታ ብተሌቪዥን ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ፑቲን ምስዞም ካብ ዩክሬይን ዝተገንጸሉን ደገፍቲ ሩስያን ዝኾኑ መራሕቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ውዕል ምኽታሙ AFP ጸብጺቡ።

ፑቲን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝጸንሐ ታሪኻዊ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃበ ነዊሕ መግለጺ ዩክሬይን ብቐንዱ ብ ሕብረት ሶቪዬት ዝቖመት ሃገር እያ ኢሉ። እዚ ውሳነ ፑቲን ነቲ ኣብ ጫፍ ዘሎ ቅልውላው ዩክሬይን ተወሳኺ ነዳዲ ዝውስኽ እዩ ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝግደሱ ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ እናኾነ ሰራዊት ሩስያ ናብ ምብራቕ ዩክሬይን ክግስግስ ከም እተኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢራ። ፑቲን ሰራዊት ሩስያ ናብተን  ድሮ ኣፍልጦ ዝሃበተን ተገንጸልቲ ዞባታት ዩክሬይን ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሎ። እዚ ሰራዊት ኣብዘን ናጻ ሃገራት ዶነስክን ሉሃንስክን ኣብ ብዕቃብ ሰላም ክዋፈር እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣመሪካ ነዚ መግለጺ ሩስያ ትርጒም ኣልቦ መግለጺ ክትብል ከተውግዞ እንከላ መንግስቲ ዩክሬይን ብወገኑ ሩስያ ንሉኣላዊ ግዝኣቱ ጥሒሳ ብምእታው ኣህጒራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ተግባር ፈጺማ ክብል ከሲሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com