Friday , April 26 2024
a new Zircon hypersonic cruise missile is launched by the frigate Admiral Gorshkov of the Russian navy from the White Sea, in the north of Russia (Russian Defense Ministry Press Service via AP) XAZ108

ሩስያ ዘካየደቶ ፈተነ ጸረ ሳተላይት ሚሳይል፡ ኲናኔ ኣስዒቡላ

ኣመሪካ፡ ነቲ ሩስያ ዘያከደቶ ፈተነ ጸረ ሳተላይት ሚሳይል፡ ነቲ ኣብ ጠፈር ዝርከብ ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ብምባል ብትሪ ኮኒናቶ’ላ።

እዚ ፈተነ ንሓንቲ ካብ ሳተላይታት ሩስያ ሃሪሙ ከም ዝሓምሸሸን ንኣህጒራዊ ማእከል ጠፈር ኣመሪካ ብካፕሹል ክሽፈን ምኽንያት ምዃኑን ተገሊጹ።

ኣብዚ ማእከል ጠፈር፡ ሸውዓተ ኣባላት ከም ዘለዉን ካብዚኣቶም እቶም ክልተ ሩስያውያን ሓደ ኸኣ ጀርመናዊ ምዃኖምን ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ኣህጒራዊ መደበር ጠፈር ብ 420 ኪሎሜትር ብራኸ ንምድሪ ከም ዝርሕቆ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com