Monday , April 29 2024
Foto: Heiko Junge / NTB

ሩዋንዳ . . . ብስንኪ ዝተጸምቈ ስዋ ባናና: 11 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩዋንዳ: ኣውራጃ ቡጌሰራ: ንበዓል ክሪስማስ ተባሂሉ እተዳለወ ስዋ ባናና ብምስታዮም 11 ከም ዝሞቱ ትካል መርመራ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ። ኣርባዕተ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ ጨጎራ እዞም ግዳያት ልዑል መጠን ኤታኖል እተባህለ ከሚካል ከም እተረኽበን ምኽንያት ሞቶም እዚ እዩ ተባሂሉ ከም እተደምደመን በዓልመዚ መግቢን መድሃኒትን ሩዋንዳ ገሊጹ’ሎ። ንኣዳላዊ እቲ መስተ ሓዊስካ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ሩዋንዳ ፍቓድ ስራሕ ዘይተዋህበን ብርክት ዝበላ መሸጣ መስተ ምህላወን እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com