Monday , April 29 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ራሙስ ፓሉዳን፡  መጽሓፍ ቊርኣን ናይ ምቅጻል ውጥኑ ከም ዝደፍኣሉ ገሊጹ።

ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፡  መጽሓፍ ቊርኣን ከቃጽል ንዝብል ውጥኑ ከም ዝደፍኣሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ተወላዲ ደንማርክ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ– ስቶክሆልም– ነዚ ምቅጻል ቊርኣን ዝፍጸመሉ ሰልፊ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ካብ ቱርክ ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ጌሩ’ሎ። በዚ ድማ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ናብታ ሃገር ክበጽሕ ዝገበሮ መደብ ከም ዝስረዝ ጌራ’ላ። እዚ ምቅጻል መጽሓፍ ቊርኣን ንመሰል እምነት ካልኦት ዘየኽብርን ፈላላዪን እኳ እንተኾነ፡ ብሕጊ ግና ፍቑድ እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ንተሌቪዥን ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com