Monday , April 29 2024

ሬሳ ዝጠፍአት ጓል 17 ዓመት ተረኺቡ

Credit: Joakim Eriksson/Agena foto

ፖሊስ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ትማሊ ምሸት ዝተረኽበ ሬሳ ናይ ሓንቲ ዝጠፍአት መንእሰይ ጓል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እታ ካብ ምምሕዳር ከተማ ማርክስ ዝመጸት ጓል 17 ዓመት መንእሰይ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት እያ ተራእያ። ሓደ መንእሰይ ወዲ ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። እቲ መንእሰይ ነቲ ገበን ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ እምነት ኽሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኦከርስበርጋ ዝርከብ ህንጻ ምንበሪ ፡ ሎም ሰሉስ ንግሆ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ዕንወት ወሪድዎ። ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝነበረ ሓይሊ ፍንጀራ፡ ኣብ ሓያሎ ደርብታት መስኮት ክሰባበር ምግባሩ ተፈሊጡ። በቲ ፍንጀራ ዝተጎድአ ሰብ የለን። ካብ ዜናታት ጎነጽ ከይወጻእና፥ ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ካብ ዘለዉ መርበብ ገበነኛታት መሪሕ እዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ደገ ሓደ እንዳሻሂ ብጥይት ተቐቲሉ። ምስቲ ኣብ ጆርድብሮ ዝመደበሩ ዜሮ ዝበሃል መርበብ ርክብ ከምዘለዎ እዩ ዝንገር። ኣብቲ ፍጻመ ካልእ ሰብኣይ ኣብ እግሩ ብጥይት ከም ዝተሃርመ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com