Saturday , April 27 2024

ሮበርት ልዋንዶውስኪ ብሉጽ ተጻዋታይ፣ የርገን ክሎፕ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ዓለም ፊፋ ‘THE BEST’ 2020።

ትማሊ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝተካየደ ስነስርዓት ሕርያ ብሉጻት ፊፋ 2020። ብ ደቂተባዕትዮ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ካብ 47 ጸወታታት ብድምር 55 ሸቶታት ዘመዝገበ ፖላንዳዊ ኣባል ክለብ ባየር ሙኒኽ ወዲ 32 ዓመት ሮበርት ልዋንዶውስኪ ን ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዓብለልቲ እዚ መድረኽ ዝነበሩ ክርስትያኖ ሮናልዶን ልዮነል ሜስን ረቲዑ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ፊፋ ‘THE BEST’ 2020 ኮይኑ ክምረጽ ከሎ። ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጀርመናዊ የርገን ክሎፕ ንካልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ን ወዲ ሃገሩ ኣሰልጣኑ ክለብ ባየር ሙኒኽ ሃንሲ ድተርን ኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሊድስ ዩናይትድ ኣርጀንቲናዊ ማርሰሎ ቤልሳስ ኣኸቲሉ ተዓዋታይ ኮይኑ።

ሓልዊ ልዳት ክለብ ባየር ሙኒኽ ማኑኤል ንዮር ብሉጽ ሓልዊ ልዳት 2020 ክስየም ከሎ፡ ንሱ ብወገኑ ን ሓልዊ ልዳት ኣትለትኮ ማድሪድ ጃን ኦብላክን ን ሓልዊ ልዳት ሊቨርፑል ኣሊሰን በኬር ብምርታዕ እዩ።

ምስ ክለብ ቶተንሃም ኮይኑ ተዘካሪ ታሪኽ ዘጽሕፍ ዘሎ ኮሪያዊ ሶን ሂዊንግ ሚን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ክለብ በርንሌ ካብ ከባቢ ዓንዲ ልዳት ጋንትኡ ኮብኪቡ ን ሹድሽተ ተጻወቲ በርንሌ ኣሽኪዑ ዘመዝገባ ሸቶ ብልጽቲ ሸቶ ፑሽካሽ ኣዋርድ 2020 ብሙኻን ክሽለም ከሎ፡ ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት፡ እንግሊዛዊት ኣጥቃዒት ክለብ ልዮን ሉሲ ብሮንዝ ድማ ብልጽቲ ተጻዋቲት ካብ ክለባት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ኮይና ተዓዊታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com