Wednesday , May 8 2024

ሰልፊ ሞድራትና ህዝባዊ መርመራ ቀዳምነት ክወሃቦ ጸዊዑ።

መራሒ ሰልፊ ሞድራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ሰልፊ ሞድራትና ህዝባዊ መርመራ ቀዳምነት ንኽወሃቦ ብ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንዝምራሕ መንግስቲ ጻውዒት ክገብረሉ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እዚ መርመራ ሓካይም ስርሖም ኽቕጽልዎ ንምግባርን ቊጠባ ሽወደን ንምሕዋይን ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። ብፍላይ ስርሖም ንሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ ዝበሃሉ ባእታታት እዚ መርመራ ክጅመረሎም ከም ዝግባእ ድማ ኣስሚሩሉ። ሕጽረር መመርመሪ መሳርሒ ብዓለም ደረጃ ምህላዉን መንግስቲ ሽወደን ምፍራይ እዞም መሳርሒታት ቀዳምነቱ ክገብሮን ድማ ጸዊዑ። እንተኾነ ግና ሓላፊ ኤጀንሲ በዓልመዚ ጥዕና ካሪን ቴግማርክ ነዚ ሓሳብ ከም ዘዋደቖ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com