Thursday , May 9 2024
Arbetsförmedlingens logoyp på vägg på huvudkontoret. Foto: Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ሰሙናዊ ጸብጻብ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 5300 ሰባት፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ኣብ መዛግብቲ ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ከምዝተመዝገቡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት’ቲ በዓል መዚ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብዝሒ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ 408 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ፡ እዚ መጠን ድማ፡ 7.9% ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውጸኦ ሰሙናዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 4 ሽሕ ሰባት፡ ስራሕ ከምዝጀመሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣስታት 1200 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ደው ናይ ምባል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com