Monday , April 29 2024

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 8600 ሰባት፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ክምዝገቡ እንከለዉ ኣስታት 10 ሽሕ ድማ ስራሕ ከምዝረኸቡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን፡ ብድምር ኣስታት 404 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 7.8% ኣብጺሕዎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ ክሳብ 10.4% ብምብጽሑ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ከምዘይብሎም ኣብ መዛግብ ኣርቤትስፎርሜድሊንየን ተመዝጊቦም ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣስታት 54 ሽሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ፡ ኣስታት 1232 ሰባት ካብ ስራሕ ክፋነዉ ከምዝኽእሉ ተሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com