Monday , April 29 2024

ሰራዊት ሽወደን ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ

Credit: Johan Nilsson/TT och Christine Olsson/TT

ቤት ፍርዲ ይግባይ መሬትን ኣከባብን ሽወደን “ማርክ ኦክ ሚልዮ-ቨርዶም-ስቶለን” ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ብ ኡፕሳላ ቫተን ምዕዋቱ ተፈሊጡ። እቲ ክሲ ኬሚካላት ምፍሳስ ኬሚካላት PFAS ናብ ትሕተ-ምድራዊ ማይ ኡፕሳላ ይዘርቚ ምህላዉ ብምምላት እዩ ተመስሪቱ። እቲ ኣፍራዪ ማይ ልዕሊ 37 ሚልዮን ክሮና ካሕሳ ዝተዋህበ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ማይ ናብ ዝተሓተ ደረጃ PFAS ንምጽራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኬሚካላት PFAS ንምብታን ኣጸጋሚ ስለዝኾኑኣብ ዝስተ ማይ ኡፕሳላ ንዓሰርተታት ዓመታት ክጸንሑ ተኽእሎ ኣሎ። ”PFAS ጨሪሱ ዘይለቅቕ ኬሚካል እዩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ እዩ” ክብል ኣብ ክፍሊ ዝስተ ማይ ኡፕሳላ ቫተን ጉጅለ ኣሳላጢ ፊሊፕ ማክሊፍ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com