Monday , April 29 2024

ሰባት፡ ኣብ ኢዶም ዝኣስሮዎ ሰዓት እኳ እንተሃለዎም፡ ግዜ ግን የብሎምን

ካሪም ራሺድ፡ ናይታ ”The Children’s Play” ዝተሰምየት ናይ ህጻናት ምርኢት (ፊልም)፡ ደራሲ እዩ።

እዛ ድርሰት ትድህስሶ ነገር እንተሎ ኮይኑ፡ እቲ ”ግዜ” ዝብል ኣምር እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዛ ፊልም፡ ኣብ ህጻናት ዘተኮረት ኮይና፡ ነቲ ግዜ ዝብል ክልሰ ሓሳብ፡ ብወገን ህጻናት ብኸመይ ከምዝርድእዎን፡ ነቲ ኣብ ርእሶም ዘውርድዎን ዘደይብዎን ፍልስፍናዊ ሕቶታት ክትምልስ እትፍትን እያ።

ገለ ካብቶም ንግዜ ኣመልኪቶም ብህጻናት ዝቐርቡ ፍልስፍናዊ ሕቶታት፡ ነዞም ዝስዕቡ ዝመስሉ እዮም፡

ግዜ እንታይ እዩ፧ ግዜ ክውን ድዩ፧ ግዜ ክንድህስሶን ክንርእዮን ንኽእል ዲና፧ ግዜ ንምንታይ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ምስጢራውን ሰፊሕን ዓሚቕን ኮይኑ፧ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኽሉ ሰባት ንምንታይ’ዮም ግዜ እንዳበሉ ኣብ ቀጻሊ ታህዋኽ ዝርኣዩ፧  ዝብሉ እዮም።

እዚ ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸሉ ሰባት ዝርአ ባህሪ፡ ማለት፡ ግዜ ኣኺሉኒ፡ ግዜ ከይኣኽለኒ፡ ዝብል ዘየባትኽ ታህዋኽን ምርባሽ ዝመልኦ ሸበድበድ፡ ኣብ ህጻናት ዝፈጥሮ ሕቶታት፡ እዚ ግዜ ዝበሃል እንታዩ ክንደይከ ይጎዪ ዘይትሓዝ፣ ክንደይከ የጟዪ ግን ዘይርአ ብዝመስል መልክዕ ኣብ ርእሲ ሕጻናት ዝቕጀሎም ስእሊ ግዜ እዩ ።

እዚ ደራሲ ቐጺሉ ዘተኮረሉ ዛዕባ እንተሎ፡ እዚ ኣብ ስድራቤታትን ሕብረተሰብን ዘሎ ናይ ግዜ ጸቕጢ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ህጻናት ዝፈጥሮ ስነ ኣእምራዊ ነውጺ ኣጉሊሑ ከርእዮን መፍትሒ ክረኽበሉን እዩ ጻዕሩ ዘካይድ። ሕጻናት ግዳይ ናይ’ዚ ብግዜ ትብል እትደጋገም ሓረግ ዘይቕሱን፡ ርግኣት ዝሰኣነ፡ ርቡሽን ህዉኽን ሕብረተሰብ ግዳይ ከይኮኑ ብምሕሳብ ትኽክለኛ ትርጉም ግዜ ብምርዳእ፡ ህጻናት ምስ ወለዶምን ሕብረተሰቦምን ኮይኖም ግን ከኣ፡ ካብ ናቶም ብዝተፈልየን ዝተምሓየሸን ኣረዳድኣ ግዜን ኣነባብራ ህይወትን ክህልዎም ከም ዘለዎን ክበላሓቱ ከም ዝግብኦምን፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ጸቕጥን  ነውጽን ከኣ ነጻ ክኾኑ ኣብ ኢዶም ዘሎ ተኽእሎ ከም ዝኾነን ብንጹርን ብሩህን ኣገባብ ብስነፍልጠታዊ  መጽናዕቲ ዝተሰነየ ስራሕ ወንኻ ዝወስድ ሓድሽ ራእይ ኣቕሪቡ።

ካብ ዝተፈላለያ ፍሉጣት ጋዜጣታት ዝቐረበ ሕቶን መልስን ከኣ ብከም’ዚ ዝስዕብ ይገልጾ። ኣብ ክሊ ዕድመ 3ን 5ን ዝርከቡ ህጻናት፡ ነዚ  ጽንኩርን ዘይጭበጥን ዝኾነ ’ግዜ’ ዝብል ኣምር ክርድእዎ ይኽእሉ’ዶ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ፡ እወ ይኽእሉ። ምኽንያቱ ህጻናት፡ ዋላ’ኳ ናይ ግዜ ስፍሓትን ዕምቆትን እንተዘይተረድእዎ፡ ልክዕ ከምቶም ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸሉ ሰባት ብናይ ግዜ ጸቕጢ ዝጽለዉ፡ ህጻናት’ውን በቲ ጸቕጢ ብተመሳሳሊ መልክዕ  ይስምዖምን ይጽለዉን እዮም። ጸሓፊን ዳይረክተርን ካሪም ራሺድ ቀጺሉ፡ ግዜ ኣብ ህይወት ናይ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብ ወዲሰብ ናይ ሓባር ረቋሒ ኮይኑ ዝጸልወናን ሽማግለን ሕጻንን ከይፈለየ ዝግዝኦን እዩ። ብምሉእና፡ ባራዩ ናይ ግዜ ኮይና ከምዘሎናን የዘካከር። ህጻናት ካብ ወለዶም ዝርእይዎ ዘበለ ኩሉ ብቕልጡፍ ከም ዝመሃርዎን እዚ ናይ ግዜ ግዙእ ሙዃን ባህሪ እዉን ከምዘጥርይዎን ይገልጽ። ከም ወለዶም ባራዩ ግዜ ክኾኑ ከም ዘይብሎምን እንታይ ደኣ ጎይቶት ግዜ ክኾኑ ከምዘለዎም ይምዕድ። ኣብ’ዛ ኣዝያ ብልጽቲ ስርሓት ዝተሰምየት ፊልም፡ ኣብ ’ግዜ’ ኣመና ሽማግለን ኣመና ህጻንን ዝብል ክውንነት ኣወንዚፍካ ግዜ እንታይ’ዩ ወይ ድማ ግዜ ብኸመይ ክንርድኦ ይከኣል ዝብል ነጥቢ ኣተኩሮና ክነዛይድ ይምዕድ።

ኣብ መወዳእታ፡ እዘን ፍሉጣት ጋዜጣታት ኣብ ክልተ ቀንዲ ገጸ ባህርያት ናይ’ዛ ፊልም ኣተኩሮ ይገብራ። ሓደ ፈጣንን ቕልጡፍን ተጓዓዚ፡ ምስ ክልተ ናእሽቱ ህጻናት ኣብ ቀጻሊ ምድላይ ናይ ሓደ ጭንቀትን ታህዋኽን ሸበድበድን ዘይብሉ ቦታ (ዓለም)፡ ከምኡ ድማ፡ ወለዲ፡ ብናይ ግዜ  ጸቕጢ ግዳይ ዘይኮንሉ ቦታ እዮም ዝፍትሹ ። ይኹን እምበር እዞም ህጻናት፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንመዋእሎም ክነብሩ ብሓቂ ድላይ ኣለዎም ድዩ የብሎምን ይሓስቡ።

ግዜ እንታዩ ዝብል ሕቶ ናይ ኩሉ ሰብ ሕቶ እዩ። ግዜ ብፍላስፋታትን ብዓበይቲ ሓሰብትን ተገሊጹ እዩ። ኣነ ግን ኣብ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተባህለ ዓቢ ሰብ ዝሃቦ መግለጺ ግዜ ሂበ ሓሳበይ ክድምድም። ’’ግዜ” እንታዩ እንተኢልኩምኒ ኣይፈልጦን’የ፡ እንተ ዘይሓቲትኩምኒ ግን ይፈልጦየ” ይብል። ስለዚ ግዜ ዘይንጭብጦ ክውንነት እዩ ክበሃል ይከኣል ። ይኹን እምበር ግዜ እንታይ ሙዃኑን ኣረኣእያናን ኣነባብራናን ምስ ግዜ ተታሒዙ ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦን ኣብ ቐጻሊ ዝግበር መጽናዕታት ክፉት ዝኾነ ዓውዲ ኣበርክቶ ናይ ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ሕጻንን ሽማግለን፡ ኣንስታይን ተብዕታይን ጾታ፡ ከይፈለኻ ክዓየሉ ዝግበኦ ኣርእስቲ ምዃኑ ንኹሉ ዝተሓብአ ኣይኮነን። 

’’ ሰባት፡ ሰዓት’ምበር ግዜስ የብሎምን” ይበሃል።               


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com