Friday , April 26 2024

ሰብመዚ ሽወደን ገበናዊ መርመራ ንምክያድ ን “ኖርድ ስትሪም” ዓጽዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ዝርከብ ምፍንጃር ትሕተ ማያዊ መትረብ ጋዝ እተፈጽመሉ ኣከባቢ ክዕሸግ
ምውሳኖም ተገሊጹ። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ሽርሒ ንምምርማር እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ ቦታ ደጊም ከም ገበን እተፈጸመሉ ቦታ እዩ ዝረአ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ናይ ጥልቀት ምሕንባስ

(“ዳይቪንግ”) ኮነ ብጀላቡን መራኽብን ዝግበር ምዝንጋዕ፡ ብመሰረት ውሳነ ኣኽበሪ ሕጊ ደው ክብል ከም ዝገብሩ ሓለዋ
ገማግም ባሕሪ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ሓለዋ ዝግበረሉ ዞባ፡ ሓሙሽተ ማይል ናይቲ ቊጠባዊ ዞባ ሽወደን ዝሽፍን እዩ።
ክልተ ካብቲ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” እተኸስተ ምፍንጃር ትሕተ ማያዊ መትረብ ጋዝ ኣብ ቊጠባዊ ዞባ ሽወደን እዩ ተፈጺሙ—
ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com