Friday , April 26 2024

ሰብመዚ ጥዕና Norbotten ሓደስቲ ዓይነታት ለበዳ ቲቢ ከምዝተራእዩ ገሊጾም።

ሰብመዚ ጥዕና Norbotten ሓደስቲ ዓይነታት ለበዳ ቲቢ ከም እየራእየ ብሓፈሻ ቊጽሪ ሕሙማት 7 ምብጽሑን ይገልጽ።

ዝሓለፈ ታሕሳስ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ማእከል ጥዕና Gamelstadን ካልእ ማእከል ስኒን ሕክምና እናተኸታተለ ሕማም ቲቢ ከም ዘለዎ ብመርመራ ተፈሊጡ ኔሩ።

እዚ ድማ ነቶም ሰብ መዚ ኣብ 700 ካሎኦት ሰባት ናሙና ክወስዱ ከምዝገበሮምን ተወሰኽቲ 6 ሰባት እቲ ሕማም ከም ዘለዎም ምፍላጦምን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ Norbotten ሓኪም ተለባዒ ሕማም Anders Neusadt እዞም ናይ ሕጂ ሰባት ምስተን እቲ ሕሙም ዝተሓከመለን ክልተ ማእከላት ጥዕና ርክብ ከም ዘይነበሮም እቲ ሕማም ምናልባት ካብ ሃገር ወጻኢ ንምዝንጋዕ ወጺኦም እናሃለዉ ሒዝዎም ከይኸውን ግምት ኣሎ ኢሎም።

“እዚ ዓይነት ቲቢ ለዘብተኛ ኮይኑ ኣብቲ ሕሙም ዝልለ ምልክታት ኣየርኢን እዩ” ኢሉ። እቲ ናይ ምምርማር ውጥን ክሳብ ዝመጽእ ሚያዝያ ክቕጽል እዩ።

ተወሰኽቲ ሕሙማት ክርከቡ ይኾኑ እዮም ዝብል ግምት ምህላዉ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ብዓለም ደረጃ 2 ቢልዮን ዝኾኑ ሕሙማት ቲቢ ኣለዉ ተባሂሉ ይግመት።

እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ዓይነት ቲቢ እቲ ሰብ ምስ ተለኽፈ እቶም ተሃዋስያን ኣብ ሰበነት ልኡማት ኮይኖም ከም ዝጸንሑን ምንም ምልክት ከም ዘየርእዩን ይፍለጥ።

እዚ ልኡም ቲቢ ናብ ንጡፍ ቲቢ ክቕየር ስለዝኽእል ግና ብኣጉኡ ሕክምና ምክትታል ኣገዳሲ እዩ ዝብል ለበዋ ኸኣ ኣሕሊፎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com