Friday , April 26 2024

ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ንኽጋደድ ዝገብር ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ እዩ

ሓይልታት ፈደራል ንምሕጋዝ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጽእ ሕጂ’ውን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ጸዊዑ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መላእ ትግራይ እዩ ተዋፊሩ ዘሎ። በዚ ድማ ኲነታት ትግራይ ከይመሓየሽ ብምግባር ንኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ዘይምርግጋእ ኣእትዩዋ ኣሎ ክብል፡ ስቲቨን ዎከር፡ ኣብ ዝለጠፎ ገጽ ፌይስቡክ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዝወሰደቶ መርገጺ፡ ገለ ኤርትራውያን ዘየድሊ ቃላት ዘሰነዮ ርእይቶ ከም ዝሃቡሉ እውን ኣመልኪቱ። ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮነ ህዝባ፡ ዝኾነ ሕዱር ተጻብኦ ከም ዘይብላ ኲሉ ክፈልጥ ይግባእ ክብል ዎከር ኣስሚሩሉ።

ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ትግራይ ከተውጽእ እያ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቃል ኣትዩልና ኔሩ እዩ፡ እዚ ቃሉ ሕጂ ክትግበር ኣለዎ። እዚ ምባለይ፡ ኣንጻር ኤርትራ፡ ከስምየኒ ኣይግባእን። ሓደ ኤርትራዊ ምስ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣይተሰማምዐን ማለት እቲ ሰብ ኣንጻር ኣመሪካ እዩ ኣየሰምዕን እዩ” ክብል ድማ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com