Tuesday , April 30 2024
A group thought to be migrants from Tunisia on board precarious wooden boats (AP Photo/Santi Palacios) PW109

ሰደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ቱኒስያ፡ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ቱኒስያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ጃላባኦም ብምግልባጣ ብውሕዱ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 30 ዝኾኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። 34 ካብቶም ስደተኛታት ብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣቢሎም ክድሕኑ ተጌሮም ኣለዉ።

70 ዝኾኑ ካብ ሃገራት ግብጺ፥ ሱዳንን ሞሮኮን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ተገፊዖም ዝመጹ ኮይኖም ናብ ኣውሮጳ የምርሑ ምንባሮም ኣፈኛ ሚኒስተር ምክልኻል ቱኒስያ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፋ 9 ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 1300 ስደተኛታት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ኽብሉ፡ ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com