Tuesday , March 19 2024
Stockh nation

ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ገዚፍ ዕቤት ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ምስ ናይ ዓመተ 2021 እንክወዳደር ናይ ሎሚ ዓመት ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ዓብዪ ወሰኽ ምምዝጋቡ ጸብጻብ ርብዓዊ ዓመት ኣመልኪቱ።. 

ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ከም ናይ ሎም ዓመት ጌሩ ዓብዩ ከም ዘይፈልጥ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሓት ጥሪ ለካቲትን መጋቢትን ኖርወይ ካብዚ ሰደድ ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ኣታዊ ምርካባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝተረኽበ ናይ 6.2 ቢልዮን ክሮና እንክወዳደር ኣዝዩ ዝለዓለ ዕቤት ምርኣዩ ዘመልክት እዩ ክብል ኖርወይ ቱደይ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጸብጺቡ’ሎ።  

“እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ዓለምለኸ ጠለብ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ኣዝዩ ብምውሳኹ እዩ” ክብል ሓላፊ ቆንስል ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ረኔት ላርሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ። 

ብፍላይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብ 12.4 ቢልዮን ክሮና ዝለዓለ መጠን ሰደድ ከም እተመዝገበን እዚ ምስ መጠን ሰደድ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ናይ 13% ወሰኽ ከም ዘርኣየ እታ ማዕከን ሓበሬታ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com