Tuesday , April 30 2024
Credit: Maja Suslin/TT

ስቶክሆልም፡ ጠንቂ ምልውዋጥ ተዂሲን ምፍንጃርን ተፈሊጡ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝረአ ዘሎ ምልውዋጥ ተዂሲን ምፍንጃራትን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጒጅለታት ገበን ብዝካየድ ዘሎ ውድድር ዕዳጋ ዝመጸ ምዃኑ ተገሊጹ። እዘን ክልተ ጒጅለታት ገበን ብምኽንያት ውድድር ዕዳጋ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ግርጭት ምእታወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። እንተኾነ ግና፡ መራሕቲ እዘን ክልተ ጒጅለታት ገበን ስግር ባሕሪ ዝሰረቶም ኮይኖም፡ ሓደ ካብኦምኣብ ቀረባ እዋን ዜግነት ቱርክ ምርካቡ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ብምኽንያት ምዝሕታል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቱርክን ሽወደንን ፖሊስ ኣድላዪ ስጒምቲ ከይወስዱ ተሓሊኾም  ምህላዎም ጋዜጠኛ ገበን ተሌቪዥን ሽወደን (SVT) ዲያማንት ሳሊሑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com