Friday , May 10 2024

ስቶክሆሎም፡ ናይ ቀጠልያ መስመር ባቡር ካብ መንገዱ ስሒቱ ወጺኡ ተባሂሉ

ናብ ፋሽታ ዘምርሕ ዝነበረ ባቡር (ሜትሮ) ኣብ ከባቢ ሰዓት 16፡40 ካብ መስመሩ ከምዝወጸ ዳግኒዝ ነሂተር ሓቢሩ። ንብዝሒ ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝምልከት ግን ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ባቡር፡ ኣብ መንጎ ኣብ መስመር 18 ዝርከብ መዓርፎ Blåsut ን Skärmarbrink ካብ መስመሩ ስሒቱ ወጺኡ።

መንኮርኮር ናይ ባቡር ተበላሽዩ እኳ እንተኾነ እታ ባጎኒ ግን ኣይተገምጠለትን ክብል ኣባል ኩባንያ SL ዝኾነ፡ ዮሃን ኖርድግሪን፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣጋጣሚ ብሰንኪ ረስኒ ዘስዓቦ ምቕናን ናይ መስመር መንገዲ ባቡር ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ኩባንያ ይዛረብ።

“ኣብ መጀመርያ ሓያል ምንፍጥፋጥ ተሰሚዑና ብድሕሪ’ዚ ትኪ ክሽትተና ጀሚሩ። እታ ባጎኒ ቀይኒና እንከላ ደው ኢላ። ብድሕሪኡ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት መጺኡ ኩነታትና ኣረጋጊጹ ብዝሕና ቆጺሩ” ክብል ሓደ ካብ ተሳፈርቲ ሓቢሩ።

እቲ መስመር ንግዝይኡ ስራሕ ኣቋሪጹ ምንባሩን ነቶም ተሳፈርቲ ብኣውቶቡሳት ጉዕዘኦም ከምዝቐጸሉን ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com