Tuesday , April 30 2024
Eva Melander, infectious disease physician, during Region Skåne's press conference. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ስኮነ . . . መጠን መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ

መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣብ ዝካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ መበል 33 ሰሙን ዝተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ልዑል ምንባሩን ክሳብ 900 ሰባት ከምዝተለኽፉን ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኤቫ መላንደር፡ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ46% ከምወሰኸ ብሰሉስ ዝተረኽቡ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ዝተራእየ ኮይኑ፡ ክልተ ሲሶ ናይቲ መልከፍቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 10 ክሳብ 39 ዓመት ዘለዉ ሰባት ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ 28 ሰባት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ሓሙሽተ ካብኣቶም ድማ ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ምክትታል ከምዝርከቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com