Saturday , April 27 2024
Saudi Arabia's Flag (AP Photo/Amr Nabil) AMR101

ስዑዲ: ናይጀርያውያን ሓካይም ትቖጽር

ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ዝመደብሩን መንግስታዊ ፍቓድ ንግድ ዘለዎን ኤጀንሲ: ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክቚጸሩ ዝደልዩ ሓካይም ቃለመሕትት የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።

ናይጀርያዊያን ሓካይም: ብማሕበሮም ተጠርኒፎም ንትሑት ክፍሊትን ድጎማን ብምቅዋም ኣድማ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን እዩ እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ተግባር ዝቕጽል ዘሎ።

ሚኒስተሪ ጥዕና ስዑዲ ዓረብ ምቚጻር ሓካይም” ዝተሰምየ ፕሮግራም: ነዞም ዓሰርተታት ሓካይም: ብ Meed Consultants ኣቢሉ ይቖጽር ምህላዉ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ ዕድል ስራሕ ዘፋልጡ በረርቲ ሓበሬታታት ብማሕበራዊ ሚድያ ክጋውሑ ምጽንሖም እውን ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com