Saturday , April 27 2024

ስፔይን፡ ሞሮካዊ መንእሰይ ብግብረሽበራዊ ገበን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሉ።  

ወዲ 25 ዓመት ሞሮካዊ መንእሰይ፡ ኣብ ደቡባዊ ስፔይን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣልገኺራ፡ ንሓደ ኣገልጋሊ ቀቲሉ፡ ንኻልእ ቀሺ ከኣ ከም ዘቚሰለ ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ እዚ መንእሰይ ናብ ዓዱ ክስጐጒ ከም ዝኽእል ስብ መዚ ስፔይን ገሊጾም። ኣብዚ ብቕድሚ ትማሊ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እቲ መንእሰይ ጎዘሞ ብምሓዝ ኣብ ከተማ ኣልገኺራስ ናብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ኣትዩ፡ ነቲ ናይ ቅትለት ተግባር ከም ዝፍጸሞ ተኸሲሱ’ሎ። እዚ መንእሰይ ኣብ ከተማ ማድሪድ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቀሪቡ ብ ግብረ-ሸበራ ክኽሰስ ከም ዝኽእል ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ኣልገኺራስ ዝርከቡ ማሕበረ-ሰብ ሙስሊም ነቲ ተግባር “ጫካነ ዝመልኦን፡ ግብረ-ሽበራዊን’  ክብሉ ኮኒኖሞ’ለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com