Friday , April 26 2024
Johan Nilsson/TT

ሽወደናዊ ፖሊስ ንሓደ ስደተኛ “ዓረብ ሸይጣን” ኢሉ ይጸርፎ።

ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኣብ ዝተገብረ ናዕቢ ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ንስደተኛ ኣታ “ዓረብ ሰይጣን” ኢሉ ብምጽራፉ ኣብ ኣብ Småland ከም እተኸሰ ተፈሊጡ።

እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ሃዳዲን ዓሌታውን ቋንቋ ተጠቒምካ ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሉ እኳ እንተተነግሮ ዛጊት ናብ መጋባእያ ኣይቀረበን።

እዚ መስርሕ ፍርዲ ንራብዓይ ግዜኡ ክስረዝ እንከሎ ነቲ ፖሊስ ናብ ፍርዲ ንምምጻእ ሓድሽ ጻዕሪ ክግበር እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቲ ተበዲለ በሃላይ ነታ መኪና ኣይለቃን እየ ምባሉ ክዝበጥ ምዃኑ ክኣ ከም ዘፈረርህዎ ብምምልካት ካሕሳ ሓቲቱ’ሎ።

ንሱ ነቲ ሳልሳይ መጋባእያ ብሰንኪ ዝመጾ ምፍርራህን ኣብ ሃገረ ፖላንድ ብምንባሩን ክከተተሎ ዘይምኽኣሉ ገሊጹ’ሎ።

ሽማግለ ስታፍ ፖሊስ እቲ ጥርጡር ገበነኛ ምዃኑ ብቤትፍርዲ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብ ስርሑ ክቕጽል ወሲኖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com