Saturday , April 27 2024

ሽወደናውያን ሓዳስ ኮኾብ ረኺቦም።

ተመራመርቲ ሽወደን እንተላይ ክልተ ተመሃሮ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ብ ሃብል ስፔይስ ተለስኮፕ ኣቢሎም ካብ ርሑቕ ጠፈር
ዘላ ሓዳስ ኮኾብ ምድህሳሶም ተገሊጹ። ብርሃን እዛ ኮኾብ ናብ ምድሪ ክበጽሕ 13 ቢልዮን ዓመት ከም ዝወሰደን እዛ
ኮኾብ ድሕሪቲ ዓብዪ ነትጒ Big Bang ዝበሃል ፍጻመ ካብ ቢልዮን ኣብ ዝውሕድ ዓመት ከም እተፈጥረት እዞም
ተመራመርቲ ሓቢሮም። "ኣካል ናይዚ ዳህሳስ ምዃን ዓብዪ ነገር እዩ" ክብል ኣብ ኣፕሳላ ናይ ዶክትሬይት ተማሃራይ ን
ኣብዚ መጽናዕቲ እተሳተፈን ኣንቶን ቪክዬስ ኣብ መጽሔት ሳየንስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com