Friday , April 26 2024
Johan Nilsson / TT

ሽወደናውያን ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ ተጓዓዝቲ እዮም ተባሂሉ።

ኣብ ዓመተ 2017 26 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም ከም ዝገሹ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ምስቲ ኣብ ፖላንድ ዝካየድ ኣኼባ ህሉው ኲነታት ኣየር ብዝተሓሓዘ ሽወደናውያን ብገምጋም ልዕሊ ዝኾን ዜጋ ካልእ ሃገር ሓሙሽተ ግዜ ብነፈርቲ ይገሹ ኣለዉ።

ኣብ 90ታት ማእከላይ ገምጋም መገሻ ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ጥራይ እዩ ኔሩ።

ሎም ዓመት ግና ሓንሳብ ጥራይ እዩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ካብ ጒዕዞ ኣየር ዝስዕብ ጎዳኢ ትኪ ካብ 90ታት ንደሓር ብ47 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ።

ዓመታዊ 10 ሚልዮን ቶን ካርቦን-ዳይኦክሳይድ ብሰንኪ መገሻ ኣየር ናብ ከባቢ ኣየር ከም ዝከዖ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com