Saturday , April 27 2024
Credit: Jessica Gow /TT

ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ደብዳበ ልኢኸን።

ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓንቲ ካብአን እንድሕር ተጠቒዓ ክሕግዛኣ ሓላፍነት ከም ዘለወን ዘዘኻኽር ደብዳበ ብሽወደንን ፊንላንድን ከም እተላእከ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ።

ብመሰረት ውዕል ሊዝበን ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓንቲ ኣባል እቲ ሕብረት እንድሕሪ ግዳይ ተጻብኦ ኮይና መሬታ ተወሪሩ ኲለን ኣባላት እቲ ሕብረት ዓቕመን ብዝፈቐዶ ክሕግዛ ሓላፍነት ከም ዘለወን ይድንግግ እዩ።

ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ፈረንሳ ዋዕላ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክካይድ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እያ እዛ ደብዳበ ተጻሕፋ ዘላ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com