Tuesday , April 30 2024
Foto Fredrik Sandberg / TT kood 10080

ሽወደን፡ ሕግታት ናይ ክታበት ምስክር ወረቐትን መርመራን ተናውሕ

እቶም ኣብ ልዕሊ ናብ ሽወደን ዝኣትው ተጓዓዝቲ ተኣዊጆም ዘለዉ ግዜያውያን ቀይድታት ከም ዝናውሑ መንግስቲ ሽወደን ብሓሙስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ንተቐማጦ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያን ካናዳን፡ እቶም ናይ መእተዊ እገዳታት ኣብ ቦትኦም ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ሓዊሱ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንዝመጹ ገያሾ እቶም እገዳታት ክሳብ ለካቲት 28 ናይዚ ዓመት ከምዝናውሑ ተፈሊጡ’ሎ። ናብ ሽወደን ንምእታው፡ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ናይ ክታበት ወረቐት ምስክር፣ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ዝተገብረ ኣንጻር ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኣሉታዊ ውጽኢት ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከምዝሓመሙ ዘርእይ መርትዖ ከቕርቡ ከምዝግባእ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ንዝመጹ ሰባት፡ እቶም ናይ መእተዊ እገዳታት ክሳብ 31 መጋቢት 2022 ዝናውሑ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። ካብዞም ሃገራት ዝመጽእ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ዝተገብረ ኣንጻር ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኣሉታዊ ውጽኢት ወይ ድማ ካብ ናይ መርመራ ረቛሒታት ናጻ ምዃኑ ዘመልክት መርትዖ ከቐርብ ይግባእ።

እዞም ናይ ጉዕዞ እገዳታት ንተቐማጦ ኣርጀንቲና፣ ኣውስትራሊያን ካናዳን’ውን ዝምልከቱ እገዳታት እዮም። ካብዞም ሃገራት ዝመጽእ ሰብ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ዝተገብረ ኣንጻር ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኣሉታዊ ውጽኢት ወይ ድማ ካብ ናይ መርመራ ረቛሒታት ናጻ ምዃኑ ዘመልክት መርትዖ ከቐርብ ይግባእ።

ዜጋታት ሽወደን በዞም ናይ ጉዕዞ እገዳታት ከምዘይቅየዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ገለ ዝትወሰኑ ሃገራት ናይ ክታበት ናይ ወረቐት ምስክር ሒዞም ንዝመጹን ሓዊሱ ንኻልኦት ብርክት ዝበሉ ክፋላት ተጓዕዝቲ ግና ካብዞም ናይ ጉዕዞ እገዳን ናይ መርመራ ረቛሒታትን ናጻ ክኾኑ ዘኽእሎም ኣሰራርሓ ከምዝትግበር ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com